ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ 62 (9) ፣ ብኣወጅ 359/1995 ኣንቀጽ 15(3) ን ደንቢ ቁጥር 533/2015 ከምኡ ድማ ስምምዕ እማመ ሰላም ፕሪቶርያን፣ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ንዘበርከትዎ፣ ብፍላይ ድማ ዝተረኽበ ሰላም ክዕቀብ ንዝነበሮም ልዑል ጥንቃቐን ኣመራርሓን መንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ከምዘለዎን፤ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ እውን ብሓባር ተቐራሪብና ከምእንስራሕን እናረጋገፅኩ፣ ንዝነበሮም ፃንሒት ኣመስግን።












